Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣ ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ፣ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፣ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ። አቱም መላእኽቱ፣ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
Translation | Contextኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።
Translation | Contextግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።
Translation | Contextነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።
Translation | Context