Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጕጥጕጥዎ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም።
Translation | Contextንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም። ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
Translation | Contextንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
Translation | Contextዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextበለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Context