Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።
Translation | Contextነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።
Translation | Contextምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።
Translation | Contextንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፣ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፣ ደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።
Translation | Contextእቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።
Translation | Contextስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።
Translation | Context