Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ።
Translation | Contextካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።
Translation | Contextከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፣ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።
Translation | Contextእቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ።
Translation | Contextእቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።
Translation | Contextቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ። ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ።
Translation | Contextሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።
Translation | Context