Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

rain


ያእቆብ 5:18 | 11 Helpful votes

ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየሰማይ ከኣ ዝናም ሀበምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:4 | 9 Helpful votes

ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩምምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ

Translation | Context
ዘካርያስ 10:1 | 7 Helpful votes

ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፣ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:10 | 6 Helpful votes

ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:41-45 | 5 Helpful votes

ኤልያስ ከኣ ንአከኣብደሃይ ብርቱዕ ዝናም አሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተንበሎሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱበሎደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦንበለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰበለኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል አላ፡ በለንሱ ኸኣ በሎደዪብካ ንኣከኣብዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ

Translation | Context
መዝሙር 72:6 | 5 Helpful votes

ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ

Translation | Context
ሆሴዕ 6:3 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ንፍለጦክንፈልጦ ድማ ንስዐቦምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 5:24 | 4 Helpful votes

ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበናምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮኣይበሉን

Translation | Context
ኤርምያስ 14:22 | 4 Helpful votes

ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ አሎ እዩ፧ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብልዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን፧ እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:35 | 4 Helpful votes

ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ

Translation | Context
ያእቆብ 5:17 | 2 Helpful votes

ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:17 | 2 Helpful votes

ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን

Translation | Context
እዮብ 37:6 | 2 Helpful votes

ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድይብሎ

Translation | Context
ዘካርያስ 14:17 | 2 Helpful votes

ኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 7:17-24 | 2 Helpful votes

ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት። እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣዝዩ በዝሔ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ ለመምታን ኵሉ ሰብን ሞተኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍኤ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ምድሪ ጠፍኡኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:8 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰማያትካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:13 | 2 Helpful votes

ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:8-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንኖህንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርኣዕዋፍእንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእንንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳንምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክርክርእዮ እየ። ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ

Translation | Context
እዝራ 10:13 | 2 Helpful votes

እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።

Translation | Context