Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

rahab


እያሱ 2:1-24 | 8 Helpful votes

እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋብለይቲ ናብዚ ኣትዮም አለዉኢሎም ነገርዎንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮምኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸእታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሐብኣቶምበለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩንቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም። ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሐብኣቶም። እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ። ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት። ነቶም ሰባት ከኣ በለቶምእግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ። እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎምሰሚዕና ኢና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን። ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሐድግዎምነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑብእግዚኣብሄር ምሐሉለይርግጽ ምልክት ከኣ ሀቡኒ። እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበናምሕረትን እምነትን ንገብረልኪበልዋቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም። እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሐብኡድሓር ድማ መገድኹም ኪዱበለቶም። እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንነጽህ፡ እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረክና መስኰት አንጠልጥልዮነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮምኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን። ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና። ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ። ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎምኣይረኸብዎምን ከኣ። እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹበልዎ

Translation | Context
እብራውያን 11:31 | 7 Helpful votes

ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶምብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን

Translation | Context
ያእቆብ 2:25 | 5 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን

Translation | Context
እያሱ 6:17 | 5 Helpful votes

እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹንረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ

Translation | Context
እያሱ 6:23 | 4 Helpful votes

እቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም

Translation | Context
እያሱ 2:1 | 4 Helpful votes

እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 1:5 | 3 Helpful votes

ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደእዮቤድ ንእሴይ ወለደ

Translation | Context
ማቴዎስ 1:1-25 | 3 Helpful votes

መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊትወዲ ኣብርሃምኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደይስሃቅ ንያእቆብ ወለደያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደፋሬስ ንኤስሮም ወለደኤስሮም ንኣራም ወለደኣራም ንኣሚናዳብ ወለደኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደነኣሶን ንሰልሞን ወለደሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደእዮቤድ ንእሴይ ወለደእሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደሰሎሞን ንሮብኣም ወለደሮብኣም ንኣብያ ወለደኣብያ ንኣሳ ወለደኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደእዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደእዮራም ንኦዝያ ወለደኦዝያ ንእዮኣታም ወለደእዮኣታም ንኣካዝ ወለደኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደህዝቅያስ ንምናሴ ወለደምናሴ ንኣሞን ወለደኣሞን ንእዮስያስ ወለደእዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደዘርባቤል ንኣብዩድ ወለደኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደኢልያቄም ንኣዛር ወለደኣዛር ንሳዶቅ ወለደሳዶቅ ንኣኪም ወለደኣኪም ንኤልዩድ ወለደኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደኣልኣዛር ንማታን ወለደማታን ንያእቆብ ወለደያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደእምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላከይተራኸቡብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበትዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆመልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮከምዚ ኢሉዮሴፍ ወዲ ዳዊትእቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብልእንሆድንግል ክትጸንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡመልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳበዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣንስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ

Translation | Context