Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

protecting israel


ዘፍጥረት 12:3 | 12 Helpful votes

ንዚባርኹኻ ክባርኾምንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 122:6 | 10 Helpful votes

ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:12 | 9 Helpful votes

እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።

Translation | Context
ዘካርያስ 12:1-14 | 9 Helpful votes

ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያይት ዝዘርግሖንምድሪ ድማ ዝሰረታንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆየሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፣ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፣ ዚስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ኪቘስሉ እዮም፣ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኺእከቡ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ፣ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝባታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄርሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፣ ኪብሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ። ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበእግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝዀነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ፣ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዚመጹ ዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ። ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፣ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ እዮም፣ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽዩሉ፣ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዚሐዝንሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ከምቲ ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት፣ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ኪኸውን እዩ። እታ ሃገር ከኣ ክትበኪ እያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፣ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን። ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፣ ኣንስቶም ከኣ ንበይነን፣ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን። ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ነንበይነን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:11-12 | 6 Helpful votes

እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 83:1-18 | 5 Helpful votes

ኣምላኽስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል። እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፣ ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም አለዉ። ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ። ሐቢሮምተማኺሮምኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፣ ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንንሞኣብን ኣጋራውያንንጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅንፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስኣሶር ድማ ሐቢሮም፣ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ከምቲ ንምድያንንሲሰራንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም። ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ። ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስኢሎም አለዉ እሞ፣ ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፣ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮምኣምላኸይ፣ ከም ህቦብላ፣ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም። ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፣ ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎምብዘራጊቶኻ ድማ አሸብሮም። ዎ እግዚኣብሄርስምካ ኺደልዩስንገጾም ነውሪ ምልኣዮንዘለአለም ይነውሩን ይሸበሩንይሕፈሩን ይጥፍኡን። ንስኻ፣ ጐይታ ዝስምካ፣ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፣ ይፍለጡ

Translation | Context
ዘሁልቍ 24:9 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ አሎ፡ መን የተንስኦ ዚምርቐካ ምሩቕዚረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን።

Translation | Context
ዘካርያስ 2:8 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስመርዓት ዓይነኡ እዩ ዚትንኪ እሞ፣ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ

Translation | Context
ዮኤል 3:1-3 | 4 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፣ ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ። ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡጓል ድማ ንወይኒ ሽጥዋ ስተዩ ኸኣ።

Translation | Context
ሮሜ 11:1-36 | 3 Helpful votes

እምበኣርሲ እብል አሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርይብይዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ። ኣምላኽ ነቲ ቀደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይንነብያትካ ቐተልዎምመሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልዩዋ አለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ፧ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ አሎኹ። እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ አሎ። ብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነንብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ካብ ዚኸውን ግና ደጊም ጸጋ ኣይኮነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ። እምብኣርሲ እንታይደኣ እዩ፧ ከመዮ ጽሑፍኣዒንቶም ከይርእያኣእዛኖምውን ከይሰምዓስኣምላኽ ክሳዕ ሎም መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም መፈንጥራን መድፈናን ንመዓንቀፊን መስጣን ይኹኖም፡ ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታእንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጎብጥ፡ ይብል እዩ። እምብኣርሲ እብል አሎኹ፡ ምእንቲ ኺወድቁ ድዮም እተዓንቀፉ፧ ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ኬቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም። እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጕዳሎም ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኮነ ግና፡ ምልኣቶም ደኣ ክንደይ ኪበልጽ እዩ። ንኣኻትኩም ኣህዛብእብለኩም አሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእኩዎም ካባታቶምውን ገለ እንተኣድሓንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር አሎኹ። ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእኩዎም ካባታቶም ውን ገለ እንተኣድሓንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር አሎኹ። እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ካብ ኮነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምውታት፡ እንታይ ካልእ ኪኸውን ኢሉ፧ እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ። ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበርእንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። ምናልባሽ ንስካ፡ ኣና ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ አሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎምንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኺትከሉ እዮም። ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉኣሕዋተየብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖምእዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ። ከምቲ ጽሑፍተበጃዊ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ። ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዓሰሉ ስለዝኮነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም። ኣምላኽ ንኹሎም ምእንቲ ኪምሕሮምንኹሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተመሓርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምዎ ምሕረት ምእንቲ ኺመሓሩሕጂ ኣይተኣዘዙንወዳጄመዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮመንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፧ ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን

Translation | Context
ዮኤል 3:1 | 2 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም

Translation | Context
ሚልክያስ 3:6 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን

Translation | Context
ኤፌሶን 3:6 | 2 Helpful votes

ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲሓደ ስጋብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-68 | 2 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙእግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸእግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡሰማይኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትንእግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾምብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦንእግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄርብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካንወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦንሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራንወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉንብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባዚረድኣካ ኸኣ የልቦንኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲንዕንጨይትን ንእምንንከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከንኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍርንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካንፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትንብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስምእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካእግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲእግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 17:10 | 2 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:1-28 | 2 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስመድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውርእዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡመርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹምይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነንድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦንኣነ እየ ዝነገርኩዘድሐንኩዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄርኣነውን ኣምላኽ እየ። ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብርኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ፧ እግዚኣብሄርእቲ ተበጃዊኹምናይ እስራኤል ቅዱስከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩምፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ - ኲላቶም ብሓደ ወደቑኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ - እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። ንህዝበይእቲ ሕሩየይምእንቲ ኸስቲማይ ኣብ በረኻውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እየ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንንከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንንኣታ እስራኤፋዕራይ ኣይገበርካንገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይንብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻንብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይንብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብእቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ። ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎምንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።

Translation | Context