Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን። ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱ።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
Translation | Contextከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ።
Translation | Contextእዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ። ሓንትስ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ሐረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ። ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ። ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸኣ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ክሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም። እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሐልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም። እቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም። ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሐደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነብር አላ፡
Translation | Contextካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን።
Translation | Contextካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን።
Translation | Contextሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ።
Translation | Contextእቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር። ቍስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
Translation | Context