Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።
Translation | Contextናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ።
Translation | Contextንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextእቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ።
Translation | Contextግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
Translation | Contextፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።
Translation | Contextእቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።
Translation | Context