Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።
Translation | Contextነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
Translation | Contextካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣
Translation | Contextሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፣ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮ።
Translation | Contextደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።
Translation | Contextንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
Translation | Contextድህርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።
Translation | Contextምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
Translation | Contextምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
Translation | Contextሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ።
Translation | Contextዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ኪኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ።
Translation | Contextኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
Translation | Context