Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፣ ወሰናታ እዚ እዩ፣ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ። እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ። ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃይሎን ኣቢሉ፣ ክሳዕ ጸዳድ፣ ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት፣ ቤሮታ፣ ሲብራይም፣ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር-ሓቲኮን ድማ። እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻር-ዔናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዩ። ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስን እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ። እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፣ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ። እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ። ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፣ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፣ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ። ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን። ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ። ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ። ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉ። እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ። እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።
Translation | Context