Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextአብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧
Translation | Contextብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
Translation | Contextብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።
Translation | Context