Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

presidents


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 9 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 7 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:1-8 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም። ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራንኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን። ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕልልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ። ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመንመጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ። ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ከኣ ስሕተት ኪዛረብንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ። መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲእኩይ ሓሳብ ይጠላልፍክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ

Translation | Context