Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።
Translation | Contextሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ። ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል።
Translation | Contextምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።
Translation | Contextምስቶም ስጋኦም ዚገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፣ ኵራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ። ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፣ ንመግብኺ ኸኣ ኣጕደልክዎ፣ ንፍቓድ እተን ዝጸልኣኺ፣ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ። ኣይጸገብክን እሞ፣ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፣ ኣይጸገብክን ከኣ። ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን።
Translation | Contextምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም አሎ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቦኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ።
Translation | Contextእቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
Translation | Contextስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።
Translation | Contextንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ።
Translation | Contextሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextእቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።
Translation | Contextኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።
Translation | Contextካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ አለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና አሎ።
Translation | Contextስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡
Translation | Contextሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
Translation | Context