Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

prejudice and discrimination


ገላትያ 3:28 | 26 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1 | 15 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 12 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-26 | 12 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-5 | 7 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 6 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34 | 4 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:26 | 4 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም

Translation | Context
ሉቃስ 6:37-38 | 3 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26-27 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ኤፌሶን 2:11-14 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋበታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሃልኩምዘክሩበቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያትነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎምኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰሰላምና እዩ እሞ፡

Translation | Context