Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
Translation | Contextስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
Translation | Contextኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
Translation | Contextገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ፡ በሎ። ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።
Translation | Contextማርያም ድማ በለት፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
Translation | Contextብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።
Translation | Contextእቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና። ግናኸ ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርናዮ እሞ ሽዑ እንጌራ ንጸግብ፡ ደሓን ንነብር፡ መዓትውን ኣይንርእን ዝነበርና፡ ንሕና ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን መስዋእቲ መስተ ድማ ንእኣ ኸነቕርብ ኢልና ዂሉ እቲ ኻብ ኣፍና ዝወጸ ቓል ብርግጽ ክንገብሮ ኢና። ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና፡ ኲሉ ነገር ጨነቐና። ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና። ንንግስቲ ሰማይ እናዐጠንናን መስዋእቲ መስተ እናኸዖናላን፡ ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራን ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ፧ ሽዑ ኤርምያስ ንዂሉ ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ነተን ኣንስትን፡ ንዂሉ እቲ ምላሽ ዝሀቦ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝዐጠንኩምዎ ዕጣንዶ ኣይኰነን እግዚኣብሄር ዘኪርዎ ኣብ ልቡ ኸኣ ትዝ ኢልዎ ዘሎ፧ እግዚኣብሄር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየው ኪዕገስ ኣይከኣለን። ስለዚ ሃገርኩም ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ ምድረ በዳን መሰክሕን መራገመን ኰነት። ዕጣን ስለ ዝዐጠንኩምን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን ንድምጺ እግዚእብሄር ስለ ዘይሰማዕኩም ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፡ ስለዚ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም። ኤርምያስ ድማ ንዂሉ እቲ ህዝብን ንዂለን እተን ኣንስትን፡ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎኹም ኲላትኩም ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን፡ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን፡ መስዋእቲ መስተ ኽንክዕወላ፡ እተመባጻዕናዮ መብጽዓና ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና፡ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛሪብኩምዎ፡ በእዳውኩም ከኣ ፈጺምኩምዎ ኢኹም። ሕራይ፡ መብጽዓኹም ፈጽሙ፡ መብጽዓኹም ከኣ መልኡ። ስለዚ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኲልኹም ሰብ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ፡ ኢሉ ብኣፍ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕርዚ ኸይስመ፡ በታ ዓባይ ስመይ እምሕል አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ኣነ ንሕሰም እምበር፡ ንደሓን ዘይኰነ ኽተግሃሎም እየ እሞ፡ ኲላቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘለዉ ሰብ ይሁዳ ብሰይፍን ብጥሜትን ጥራስ ክሳኦ ዚውድኡ ኺጠፍኡ እዮም። እቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ኻብ ሃገር ግብጺ ናብ ሃገር ይሁዳ ሒደት ኰይኖም እዮም ዚምለሱ። ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ናብ ሃገር ግብጺ ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ናተይ ወይስ ናቶም፡ ኣየናይ ቃል ክውን ከም ዝዀነ ኪፈልጡ እዮም።
Translation | Contextንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ።
Translation | Contextኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
Translation | Contextናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
Translation | Contextማርያም ድማ በለት፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
Translation | Contextነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ።
Translation | Contextእዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ።
Translation | Contextኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ።
Translation | Contextጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡
Translation | Context