Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
Translation | Contextኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።
Translation | Contextሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ።
Translation | Contextሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙ። ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
Translation | Contextእቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።
Translation | Contextየሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።
Translation | Contextስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም።
Translation | Contextኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ዅላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝዀነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።
Translation | Contextንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።
Translation | Contextንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።
Translation | Contextኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ።
Translation | Contextኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።
Translation | Contextኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።
Translation | Contextእዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።
Translation | Contextኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ።
Translation | Contextክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።
Translation | Contextእዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።
Translation | Context