Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
Translation | Contextብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።
Translation | Contextሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ኪብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሐቢሮም ኪሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ።
Translation | Contextዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ። እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፣ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ። ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም። ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ። ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፣ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፣ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፣ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፣ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፣ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፣ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ።
Translation | Contextብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
Translation | Contextኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።
Translation | Contextኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ። ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ። ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።
Translation | Contextነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
Translation | Context