Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

popularity


ሉቃስ 9:25 | 21 Helpful votes

ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ

Translation | Context
ምሳሌ 13:20 | 9 Helpful votes

ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።

Translation | Context
ሉቃስ 14:7-14 | 7 Helpful votes

ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረአየምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕምሳሕ እንተ ገበርካስድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውንብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ሉቃስ 6:26 | 5 Helpful votes

ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩምኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-13 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:25 | 5 Helpful votes

ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእርቱብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-4 | 3 Helpful votes

ወደየምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወንሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
ያእቆብ 4:4 | 3 Helpful votes

ኣትን ዘመውቲፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 3:36 | 2 Helpful votes

ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 29:23 | 2 Helpful votes

ንሰብ ትዕቢት የዋርዶብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ምሳሌ 18:24 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ

Translation | Context
እዮብ 29:1-25 | 2 Helpful votes

እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ። መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡ ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለውስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ። ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹመንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡ መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ። ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤመልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ። ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒዝረአየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት። ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ። ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት። ዓይኒ ንዝዖረእግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ። ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ። ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ። ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውትንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡ ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ። ክብረይ ኣባይ ክትሕደስቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ። ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ። ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡንዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ። ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ። ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይአመኑንንንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን። መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።

Translation | Context