Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

politics


ሮሜ 13:1-7 | 13 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 9 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:17-21 | 5 Helpful votes

እንታይ ይመስለካንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረናየሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛትስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳርበልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡበሎም

Translation | Context
ቲቶስ 3:9 | 4 Helpful votes

ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ

Translation | Context
መዝሙር 33:12 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 15:7-11 | 3 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉእቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕእታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:11-12 | 3 Helpful votes

ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደሌኩም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩንበእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም አሎና።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18 | 2 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:17 | 2 Helpful votes

ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:29 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ

Translation | Context
ፊልጲ 3:20 | 2 Helpful votes

ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስንጽበ አሎና

Translation | Context
ዘዳግም 17:14-15 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ

Translation | Context
ምሳሌ 14:34 | 2 Helpful votes

ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 109:8 | 2 Helpful votes

መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ

Translation | Context