Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ። ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ። እምበኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ክንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር አሎኹ። ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ። ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ። እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።
Translation | Contextሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።
Translation | Contextስለዚ በል፡ እንሆ፡ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ አሎኹ።
Translation | Contextንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።
Translation | Contextእታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።
Translation | Contextሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም፡ ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።
Translation | Contextደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ፡ በሎ።
Translation | Context