Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

passover


ዘጸአት 12:21-28 | 8 Helpful votes

ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎምነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሐሪኹም ውሰዱ እሞ ፋስጋ ሕረዱ። ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ልኸይዎክሳዕ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእእግዚኣብሄር ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረአየእግዚኣብሄር ነታ ደገ ኺሐልፋ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም አትዩ ኺወቕዓኩም ኣይሐድጎን። እዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኻን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዎኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኩም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልዉኪኸውን ድማ እዩ፡ ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብሉኩምንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 23:4-8 | 6 Helpful votes

እቶም ምዱብ ግዝያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲኪመሲ ኸሎ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:7 | 6 Helpful votes

ገንሸል ፋስጋናማለት ክርስቶስተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 26:26-28 | 5 Helpful votes

ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱብልዑበሎምጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ

Translation | Context
ዘጸአት 23:15 | 4 Helpful votes

በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ

Translation | Context
ዘሁልቍ 9:14 | 4 Helpful votes

ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋስጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋስጋ ሕግን ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።

Translation | Context
ማርቆስ 14:12-25 | 3 Helpful votes

በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫደቀ መዛሙርቱገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህርበልዎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ኪጕህዩ ጀመሩበብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውንበሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈይኸይድእቲወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድምሔሾ ነይሩኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉባሪኹ ቘረሰንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦምጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦምኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:8 | 3 Helpful votes

ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን

Translation | Context
ዘጸአት 12:8 | 3 Helpful votes

ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ

Translation | Context
ዘጸአት 12:15-20 | 2 Helpful votes

ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቝ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባበታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዮ ኣይገበር። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ፡ ንሱ ጥራይ ይተዐየየልኩም። ነዚ በዓል ቕጫ ሐልውዎበዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺኤዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዋ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒቅጫ ኽትበልዑ ኢኹም። ወሰንተኛ እንተ ዀነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረከብ። ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ

Translation | Context
ሉቃስ 22:7-20 | 2 Helpful votes

እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ ዚግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ኪዱ፡ ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልናኢሉ ለኣኾም። ንሳቶም ከኣ፥ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱበልዎ። ንሱ ድማ በሎም፥ እንሆ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹምዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዓብዎ። ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፥ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህርበልዎ። ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸምደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕእብለኩም አሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎምጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎበለእንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎኢሉ ሃቦምከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።

Translation | Context
ዘጸአት 13:3 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለእግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ

Translation | Context
ሉቃስ 22:15 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸምደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕእብለኩም አሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎም

Translation | Context
ዘጸአት 12:11-13 | 2 Helpful votes

ከምዚ ጌርኩም ድማ ክትበልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቝኹም ተዐጢቕኹምኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩምኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሐልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር ኣየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሐልፈኩም እየ። እቲ ዜጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን

Translation | Context