Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
Translation | Contextደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን።
Translation | Contextጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም አሎና።
Translation | Contextንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
Translation | Contextኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡
Translation | Contextክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፣ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡
Translation | Contextእቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።
Translation | Context