Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all23 bible verses about
ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
Translation | Contextንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
Translation | Contextንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።
Translation | Contextንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
Translation | Contextእቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextእቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም። ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextበለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪድሉ፡ በሎ። ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextእቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ። ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
Translation | Contextንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።
Translation | Context