Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextእዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።
Translation | Contextነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።
Translation | Contextንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ።
Translation | Contextቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
Translation | Contextወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
Translation | Contextገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ። እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ።
Translation | Context