Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ አሎ እዩ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።
Translation | Contextጐይታና ዓብዪ እዩ፣ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፣ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።
Translation | Contextእቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧
Translation | Contextኲሉ ኸም እትኽእልን፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ፡ በለ።
Translation | Contextዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡
Translation | Contextንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።
Translation | Contextከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።
Translation | Contextዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።
Translation | Contextኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ። ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ።
Translation | Context