Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።
Translation | Contextጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።
Translation | Contextክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።
Translation | Contextነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextእቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
Translation | Contextጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextእቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡
Translation | Contextመዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።
Translation | Contextንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።
Translation | Contextእተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡
Translation | Contextንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ።
Translation | Contextኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ።
Translation | Contextህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡ ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Contextንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።
Translation | Context