Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
Translation | Contextኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።
Translation | Contextንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።
Translation | Contextንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ።
Translation | Contextካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብአየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ አሎ፡ ኢላ ጠርዔት። ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት። ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ። እተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ። ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት። ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ። ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።
Translation | Contextጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
Translation | Contextካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን።
Translation | Contextእተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን።
Translation | Contextንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።
Translation | Contextሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውንዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ አሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት። ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ። ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
Translation | Contextስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ።
Translation | Contextጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።
Translation | Contextንስኻ ድማ፡ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጐድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኼምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
Translation | Contextኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዔ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።
Translation | Contextኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
Translation | Contextቀመማትን ዘይቲ ንምብራህ ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጽኡ።
Translation | Context