Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ።
Translation | Contextካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። እቶም ሕጊ ዜብሎም ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ።
Translation | Contextከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ። ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ። እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ። ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ። ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ። ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ። ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም። ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም። እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር። ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ። ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ። ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን። ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ። ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።
Translation | Contextብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ።
Translation | Contextያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ። ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ አለዎ። ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።
Translation | Contextዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፊ ኸይ መጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓምቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Context