Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስካ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን።
Translation | Contextኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካ፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ፡
Translation | Contextንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧
Translation | Contextሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም።
Translation | Contextእቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣
Translation | Contextብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል አሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል።
Translation | Context