Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡
Translation | Contextብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ።
Translation | Contextብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡
Translation | Contextወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ። ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶ፡ ንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡ ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድር ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።
Translation | Contextነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ። ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን።
Translation | Contextካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለው፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕዉራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ። እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ኣዝዮም ጨርሑ። የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትድልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ። የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ። ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ። ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። [ሴላ።] ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንኹሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ። ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ። ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና። ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።
Translation | Context