Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextእቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Contextጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።
Translation | Contextድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ።
Translation | Contextየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
Translation | Contextብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ለመንኩን ተናዘዝኩን፣ ዎ ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንህና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን። ጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ባኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፣ ጐይታየ፣ በዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትና፣ ንመሳፍንትና፣ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዮ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፣ ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና። ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ኣብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳና፣ እኩይ ገበርና። ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፣ ከተምልስ እልምነካ አሎኹ። ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት። ጐይታየ፣ ስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብ፣ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፣ ኣይትደንጕ። ክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣ ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፣ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።
Translation | Contextንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርዱ፣ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምህሩን እዮም።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፡ ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዩም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቜኻ ኪወጹ እዮም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ አሎኹ። እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ። ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ አሎኹ። ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ።
Translation | Context