Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
Translation | Contextንስም ኣምላኽካ ኽይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሐሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextእቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ ኣየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
Translation | Contextንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ፧ እትብሉ ኻህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነስ፡ ምፍርሄይ ኣበይ አሎ፧
Translation | Contextሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ በሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም፡ ብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።
Translation | Context