Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡ ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡ ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታው ብእኡ አሎና።
Translation | Contextነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።
Translation | Contextዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
Translation | Contextበሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Context