Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextደቂ እስራኤል ከኣ፤ እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና፡ እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና፡ በልዎም።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ።
Translation | Contextእዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።
Translation | Contextእቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
Translation | Context