Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ሙሴ ድማ ኣባጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን፡ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ፡ መጸ።
Translation | Contextደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ። ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ። ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎ፡ ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ንገሮም፥ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎ፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም። ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ። ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸውዔ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ቓላት ነገሮም። ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ፡ ዀይኖም፡ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ፡ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ኪኣምኑኻስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጻካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፥ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውንቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከየ ዘበለ ሞት ይሙት። ገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ዀነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ። ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሐጸቡ። ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፡ ናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነብረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ። እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገ። ኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ። እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ። ሙሴ ከኣ ደየበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ውረድ እሞ እቶም፡ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪርእዩ ኸይቀርቡ፡ ብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስ፡ ኣጠንቕቆም። እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፡ ርእሶም ይቀደሱ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ንስኻ፥ ናብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይኽእሉን። እግዚኣሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምሳኻ ደይቡ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄር ኪድይቡ ኢሎም ኣይጥሐሱ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም።
Translation | Context