Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።
Translation | Contextዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።
Translation | Contextብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextስቕ ኢልካ እህህ በል፣ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፣ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፣ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፣ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።
Translation | Contextሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተበሀለ ተፈጸመ።
Translation | Contextየሱስ ነብዔ።
Translation | Contextኲሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።
Translation | Contextሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።
Translation | Contextንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Context