Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

moses


ዘጸአት 3:10-22 | 6 Helpful votes

እምበኣር ሕጂ ንዓንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከኣነ መን እየበሎ። ኣምላኽ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኩንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም፡ በለሙሴ ድማ ንኣምላኽእንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስእንታይ ክብሎም እየ፧ በሎኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴእቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹበሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒበሎምኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ። ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሩኹም ድማ ርኤኹ። ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንንጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድበልዎብሓያል ኢድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንጉስ ግብጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሐድገኩም እፈልጥ አሎኹ። በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ዅሉ ተኣምራተይ ከኣ ኢደይ ዘርጊሔ ንግብጺ ኽወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሐድገኩም እዩ። ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን፡ ካብታ ኣብ ቤታ እትነብርን ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን፡ ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:22 | 5 Helpful votes

ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ

Translation | Context
ዘሁልቍ 11:10-15 | 5 Helpful votes

ሙሴ ድማእቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩመጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧ እናበኸዩእንበልዕ ስጋ ሀበና ይብሉኒ አለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸካበይ ክረኽቦ እየ፧ እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።

Translation | Context
እብራውያን 11:23-28 | 5 Helpful votes

ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁንሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦምብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ።

Translation | Context
ዘጸአት 5:22 | 3 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱጐይታይ፡ ከመይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ

Translation | Context
እብራውያን 11:24-26 | 2 Helpful votes

ሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 26:22 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ አሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን

Translation | Context
ማርቆስ 9:2-8 | 2 Helpful votes

ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእልኣዝዩ ጻዕደወኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱመምህርኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩሰለስተ ዳስ ክንሰርሕሓደ ንኣኻሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስበሎሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። ደበና መጺኡ ኣጐልበቦምካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዚብል ድምጺ መጸ። ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን

Translation | Context
ዘጸአት 2:11-22 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱኪወቕዖ ረአየናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሐብኦ። በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸእንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖበሎ። ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ አሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄእዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ። ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወንሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤንኣባጊዔን ድማ ኣስተየ። ናብ ኣቦኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፤ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክንበለን። ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነናማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ አሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦበለንሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ

Translation | Context
ዘጸአት 2:3 | 2 Helpful votes

ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነትሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ

Translation | Context
ዘጸአት 5:23 | 2 Helpful votes

ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሐንካዮን፡ ከኣ በለ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 27:22 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:22 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ

Translation | Context
ዘጸአት 33:11 | 2 Helpful votes

ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብእግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጐበዝ ግልያኡእያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።

Translation | Context