Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።
Translation | Contextሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
Translation | Contextካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextእቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
Translation | Contextእቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።
Translation | Contextገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።
Translation | Contextሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
Translation | Contextእቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።
Translation | Contextብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextእቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextእቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡና፡ ዚብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ከኣ፡ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከም ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ አሎና። ካብተን ኣዋልድና ድማ ባሮት አለዋ፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ። ኣነ ኸኣ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ተቐጣዕኩ። ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አሎኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸኣ፡ ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጀዮምናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምሶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። ኣነ ኸኣ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡ ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም አሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም። ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሐልክዎም። ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኵሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እወ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸኣ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ። ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተአዘዝኩላ መዓልቲ፡ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዚግባእ እንጊራ ኣይበላዕናን። እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይ ገበርኩን። ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸኣ ኤዔሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኲሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ። ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአደይ ይምገቡ ነበሩ። ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን። ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ዅሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።
Translation | Contextህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
Translation | Contextኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም አሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም።
Translation | Contextእምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።
Translation | Context