Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡ ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት። ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ። ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ኣይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
Translation | Contextናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣግልሰላ፡ ክንየዋ ኺድ። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር። መገድ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ። መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን።
Translation | Contextኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ። ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextእቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉ፡ ስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ አሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ። ንሱ፡ ኣየኖት፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ዘረባኡ ስምዔ፡ እናጐሀየ ኸደ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ። የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ፡ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧ በሎ። የሱስ በሎም፥ ንስኻርኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪኰኑ እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም። ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧ እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጸድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። [ሴላ።] ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። [ሴላ።]
Translation | Context