Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

mission trips


እያሱ 1:9 | 18 Helpful votes

ጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18-20 | 12 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:24 | 9 Helpful votes

ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 7 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:8 | 6 Helpful votes

ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒበልኩ

Translation | Context
ሮሜ 10:14-15 | 6 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑከመዮኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍእንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 5 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕልዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23 | 4 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 4 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ማቴዎስ 24:14 | 3 Helpful votes

እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ

Translation | Context
ሉቃስ 10:2 | 3 Helpful votes

በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽለምንዎ

Translation | Context
ያእቆብ 2:15-17 | 3 Helpful votes

ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:15-17 | 2 Helpful votes

ከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:1-62 | 2 Helpful votes

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦምመንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾምበሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡበትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም። ኣብታ ዝኣቶኩምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑካብኣውን መገድኹም ኪዱ። ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውንተጐጓ እግርኹም ንገፉወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ። ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብኣኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋለወለሓያሎ ሰባትዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡይብሉ ነበሩ እሞ፡ ገሊኦምኤልያስ ተራእዩገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ። ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ-ሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮምምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮምምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦምኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡኣሳናብቶምበልዎ። ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎምበሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑምሳና ዘሎስ ካብ ሐሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱበብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎምበሎም። ከምኡ ገበሩ ንዅሉምውን ኣቐመጥዎም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተባሪኹ ቘረሰንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኬቕርብሎም ሃቦምኵሎም በሊዖም ጸገቡዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶምንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕገሊኦምኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒበሎምጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ ገንሖምእዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥ ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎምንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽመስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒምድሓን ነፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ። ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡክጽሊ ናብ ከረን ደየበኪጽሊ ኸሎትርኢት ገጹ ተለወጠክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስንምስኡ ይዛራረቡ ነበሩብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስመምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩሰለስተ ዳስ ክንሰርሕሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስበሎዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። ንሱ እዚ ኪዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዚብል ድምጺ መጸ። እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎንሳቶምውን ስቕ በሉሽዑ ቅነ ዝረአይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩንንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎእንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ አሎኹ፡ እናበለ ጨርሔእንሆመንፈስ ይሕዞብኡብኡ ይብህርርፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮእናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎንደቀ መዛሙርትኻ ኼቅጽእዎ ለሚነዮምሲምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮኢሉ መለሰሉንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎበሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋንከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎውን ፈርሁ። ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎምየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥ ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነዚ ዝለአኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። ዮሃንስ ከኣ፥ መምህርሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበከሊእናዮኢሉ መለሰሉየሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎበሎኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎንእቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩጐይታይከምቲ ኤልያስ ዝገበሮሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉሓደጐይታይናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጽግዓላ ስፍራ የብሉንበሎ። ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገርበሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎየሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context