Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ።
Translation | Contextከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።
Translation | Contextገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧
Translation | Contextጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።
Translation | Contextእቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸዉወን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ።
Translation | Contextብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።
Translation | Contextኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧
Translation | Contextርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ።
Translation | Contextንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን።
Translation | Contextጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ኪኣክል እዩ።
Translation | Contextሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዜጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቚረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኺህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ።
Translation | Contextርጕኦ እንተ ተሐቝነ፡ ልኻይ የውጽእ፡ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።
Translation | Contextከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉ፡ ናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ።
Translation | Contextእታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ነቦታቶም ክትህባ ዝመሐልካሎም ሃገር ከኣ ሀብካዮም።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፣ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ፣ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፣ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
Translation | Contextስለዚ እንሆ፣ ንደቂ ምብራእ ርስቶም ክትከውን፣ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ፣ ኣብ ማእከልካውን ሰፊሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑ፣ ጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍል፣ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።
Translation | Contextሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡ ከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ፡ ወይነይን ጸባይን ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኸይ፡ ብልዑ፡ ስተዩ፡ ፍትዋተየ፡ ኣብዚሕኩም ስተዩ።
Translation | Context