Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ።
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
Translation | Contextንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።
Translation | Contextኣኽላባት ከቢቦምኒ፣ ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፣ ነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ።
Translation | Contextግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሃት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።
Translation | Contextእንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ አሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፣ ይመጽእ አሎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Contextኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ። ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ። ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ።
Translation | Context