Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድ፡ ተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብ። ርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ። ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮ፡ ንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻ፡ ጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ። እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰዶዶም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ርአዩ፡ ነታ ኸተማ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላ፡ ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሐቑ። ኵልኹም ከኣ እተዳሎኹም ኩኑ። ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቐባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ አለዉ፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡናስ፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም፡ ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሓዝዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኵስዋ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩ፡ እንሆ፡ ኣዚዘኩም አሎኹ። እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብቲ ዚድበቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን፡ ከይዶም ከኣ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡ። እያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረ። ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቘጺሩ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ዓይ ደየበ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበ፡ ቀሪቦም ከኣ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦም፡ በብሴሜን ዓይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከኣ ለሰ ነበረ። ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፡ እያሱ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ። ኰነ ኸኣ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየ፡ ሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡን፡ ብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቲ ጐልጐል ወጹ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ። እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩ፡ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ። ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ኪሰጕዎም ብኣውያት ተአከቡ፡ ንእያሱ ድማ ሰጐጕዎ፡ ካብታ ኸተማ ኸኣ ተሳሕቡ። ኣብ ዓይኒ ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤልን ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሐዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዅናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዅናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ ቀልጢፎም ካብ ስፍራኦም ተንስኡ እሞ ጐይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኰስዋ። እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ዀነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀደሙ ህዝቢ ከኣ ናብቶም ሰጐጕቶም ኣቢሎም ተመልሱ። እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን፡ እቶም ድቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩ፡ ተመልሱ እሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም። እቲኣቶም ከኣ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከኣ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኰኑ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑን፡ ቀተልዎም። ንንጉስ ዓይ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ። ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ነቶም ኵሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጕዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረካ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚወድኡ ኸኣ ኵሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዘወደቑ ዅሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኵሎም ሰብ ዓይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኰኑ። እያሱ ድማ፡ ንብዘለዉ ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ዅናት ዝዘርሔት ኢዱ ኣይመለሳን። እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ። እያሱ ኸኣ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ዑና ዅምራ ዘለኣለም ገበራ፡ ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ ኣዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል መሰውኢ ሰርሓሉ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ተጽሒፉ ዘሎ፡ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፡ ሓጺን ዘይተከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉ። መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ። ድማ ኵሉ እስራኤልን ዓብይቱን መኳንንቱን ፈረዱን፡ ጓና ከም ወዲ ዓዲ፡ ንታቦት በዝን በትን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞም፡ ፍርቆም ብሸነኽ ከረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ብሸነኽ ከረን ዔባል ቈሙ። ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ፡ ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን።
Translation | Contextንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ።
Translation | Contextገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማት፡ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባት፡ ገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ሓያል ጅግና ነበረ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ። ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸኣ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጐጕዎ። ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸኣ ወጹ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸኣ ኰነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱ። ንይፍታሕ ከኣ፡ ንዓ ሐለቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእ፡ በልዎ። ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹ፧ በሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ጊልዓድ ሓለቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስና፡ በልዎ። ይፍታሕ ከኣ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሐለቓኹም ክኸውን እየ፧ በሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ከም ዘረባኻ እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ። ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓለቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ። ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን፡ ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ አሎካ፧ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ።
Translation | Contextኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮም፡ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም። ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
Translation | Contextኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።
Translation | Context