Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
Translation | Contextነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextእምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።
Translation | Contextጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።
Translation | Contextየሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።
Translation | Contextሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።
Translation | Contextኲሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።
Translation | Contextብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።
Translation | Contextወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
Translation | Contextንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፣ ንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ።
Translation | Contextስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።
Translation | Context