Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረአየት። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።
Translation | Contextሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ።
Translation | Contextካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ።
Translation | Contextማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡
Translation | Contextማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።
Translation | Contextኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ።
Translation | Contextኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።
Translation | Contextእተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን።
Translation | Contextሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ አትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። የሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ አሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካ፡ በሎ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። ንእኣ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ።
Translation | Contextስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን በለቶም።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ በሎም፥ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚአምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ። እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም። ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን። እምብኣርከ ንዘለዎ ኺወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ። ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ አትዩ፥ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም። ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፥ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ አላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሀሉ ተደነቑ። ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፥ ኣጋንንቲ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፥ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፥ ምሳኻኸ እንታይ አሎኒ፡ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ። ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ። የሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ። ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ። እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረአዩ፡ ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረአይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም። እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ አትዩ ኸኣ ተመልሰ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፥ ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ። እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺአቱ ለመኖ። ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኵሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን አለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎ፡ በሎ። እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረአየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ። የሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ። ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ቢኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢ፡ በለ። ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ። ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
Translation | Context