Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
እግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።
Translation | Contextብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧ እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቚመኒ፣ ንሱ ነእዳወይ ውግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
Translation | Contextነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።
Translation | Context