Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

martha


ሉቃስ 10:38-42 | 34 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶየሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:5 | 18 Helpful votes

የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:40 | 9 Helpful votes

ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:2 | 8 Helpful votes

ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 11:1 | 8 Helpful votes

ኣብ ቢታንያኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ

Translation | Context
ዮሃንስ 11:1-57 | 7 Helpful votes

ኣብ ቢታንያኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያእቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። ስለዚ እተን ኣሓቱጐይታይ እቲ እተፍቅሮስ እንሆሐሚሙ አሎኢለን ናብ የሱስ ለኣኻየሱስ እዚ ሰሚዑእዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብርንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነንበለየሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ። ምሕማሙ ምስ ሰምዔኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱደጊም ንዑናይናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎምደቀ መዛሙርቱ ኸኣመምህርብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትከይድበልዎየሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትንእቲ ብመዓልቲ ዚኸይድብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍንእቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግናብርሃን ስለ ዜብሉይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እዚ ተዛረበድሕርዚ ድማኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦክኸይድ እየ፡ በሎምሽዑ ደቀ መዛሙርቱጐይታይ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩበልዎየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎምሽዑ የሱስ ብግህዶኣልኣዛር ሞይቱ፡ ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድበሎምሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወንናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓክትቅበሎ ወጸትማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንየሱስጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሐወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧ ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካእፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላማርታ ድማ፥ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲእፈልጥ አሎኹ፡ በለቶየሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። ንሳ፡ እወ ጐይታይ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ አሎኹ፡ በለቶ። እዚ ኢላ ኸደትንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላመምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። ንሳ እዚ ምስ ሰምዔትቀልጢፋ ተንስኤትናብኡውን ከደትየሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፋር ጸንሔ እምበርናብ ዓዲ ኣይአተወን ነበረእቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውጽኣን ርእዮምናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዓብዋማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፋራ መጺኣ ምስ ረአየቶኣብ እግሩ ተደፊኣጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩበለቶሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶምጐይታይ ንዓ እሞ ርኤበልዎየሱስ ነብዔስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዩክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉገሊኦም ግናእዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን በሉሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘናብቲ መቓብርውን መጸእዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩየሱስነዚ እምኒ ኣልዕልዎበሎምማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶየሱስእንተ ትኣምንስክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽንበላድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎየሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ። እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበርኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒእፈልጥ አሎኹ፡ በለእዚ ምስ በለኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግኑዙኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸየሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎበሎምሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ አመኑገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶምእቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦምእዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞእንታይ ንግበርከምዚ እንተ ሐደግናዮ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነንነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነንካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶምእንታይ ይመስለኩምናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉእቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ ኪሕብረሎም ኣዘዙ

Translation | Context