Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all1 bible verses about
ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም። ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚአቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
Translation | Context