Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
Translation | Contextግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።
Translation | Contextተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።
Translation | Contextድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስካ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Contextናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግና፡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ። ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉ፡ ካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ። ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ።
Translation | Contextኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡ እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም።
Translation | Context